ንህዝቢኤርትራ ፡ ምርባሽንምሽባርንኣይከኣልን’ዩ
ኤርትራውያን ንኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ምዕባለታት ብትኹረትን ጥንቃቐን እንሓስብን ተኣፈፍቲ ብምዃን እንከታተተለሉን ምኽንያት ዕድል ናይዚ ክልተ ህዝብታት ኣጸቢቑ ተቓራራቢ ምዃኑ ካብ ዘለና መረዳእታ ዝነቅል’ዩ። ድሕነትን ዕብየትን ኤርትራ ብቐንዱ ብውሽጣዊ ረቛሒ ዝውሰን’ዃ እንተኾነ፡ ብተግባራትን ምዕባሌታትን ኢትዮጵያ ብዓቢ መጠን -ብኣወንታን ኣሉታን- ከም ዝጽሎ ኣየካትዕን። ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጸረ ሃይለስላሴን ደርግን ምንቅስቓሳትን ምስኦም ዝነበረና ዝምድናታትን ከም ዝተጸልወ ኣይንርስዖን። ድሕሪ ናጽነት ዘመዝገብናዮ ቁጠባዊ ፊሕታ’ውን ምስቲ ተበጋጊሱ ዝነበረ ሰለማዊ ዝምድና ዝተኣሳሰር’ዩ ነይሩ። ካብዚ መረዳእታ’ዚ ብምንቃል፡ ብወገን ኤርትራ ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን ዝተመስረተ ድልዱል ሰላማዊ ምሕዝነት ንምህናጽ ቅሩብነት ጎዲሉ ኣይፈልጥን።
ኣብ ታሪኽ፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ‘ኣጆኹም’ ዝብልዎም ኣያታት ከየውሓሱ ምስ ኤርትራ ክዋግኡ ነቒሎም ኣይፈልጡን’ዮም። ኤርትራ ከኣ ውሽጣዊ ዓቕማ ጠርኒፋ ካብ ኢትዮጵያ ንዝመጻ ሓደጋ ንምምካት ተጸጊማ ኣይትፈልጥን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ተኸባቢሩ ክነብር ከም ዝሕሾ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ግጥም ምኽሪ ኮይንዎ ኣሎ። ዶ/ር ኣብይ ‘ባሕሪ’ ኢሉ ዓንገረር እናበለ ኢትዮጵያውያን ከም ቁምነገር ከም ዘይሓስብዎ ይዛረቡ ምህላዎም መርኣያኡ’ዩ።
ህሉው ዝርግሐ ሓይሊ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘስተውዕል፡ ንኤርትራ ይትረፍ ዝህድድ ስክፍታ ዝኸውን ሓይሊ፡ ካብ ዝኾነ ማእዝን ክመጽእ ከም ዘይክእል’ዩ ዘርእየና። ኤርትራ ሃኒጻቶ ዘላ ዞባዊ ተቐባልነት፡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ርግኣት፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ሓይሊ፡ ዲፕሎማስያዊ ብልጫ፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ንቕሓትን ተደማሚሩ ውሕስትን ዘይትድፈርን ሃገር ገይርዋ ኣሎ። ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ሽሕ ግዜ ዕዉር ይኹን ነዚ ብልጫታት’ዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ። እቲ ዝብሎ ዘሎ ከምቲ ንዘየሕምቖ ኣርሓ ርእዩ ኣብ ደንበኡ ኮይኑ መሬት ዝጽሕትርን ዝንቁን ብዕራይ እዩ ዝመሳሰል። ስለዚ ከምቲ ኢትዮጵያውያን “ሓቅኻ” ዲኻ እናበሉ ዘላግጽሉ ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ውን ንዘረባ ናይዞም ‘ናይ ወረቐት ኣናብር’ ከም ብግብሪ ክስነ ዝኽእል ዕቱብ ዘረባ ኣይንውሰዶ።
ሰላምና ክዓሙቕን ዉሑስ ክኸውንን ግን ምክትታልና ንቐጽለሉ። መንግስቲ ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታትን ክገብሮ ዝኽእል ይገብር ምህላዉ ዘቕስን’ዩ። መትከላዊ ኣረኣእያ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ንምርዳእ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ጥሪ 1990 ምስ መጽሔት ሳግም ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ንዝበሎ ክንጠቅስ፣ “ዝኾነ ሰላም ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብዚ ዞባ ምስ ምፍንቃል ወይ ምድርባይ ናይዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓትን ኣብኡ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባን ክጥመት ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ሰላም መጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ዕግርግር ክህሉ ወይ ሓደ ጨፍላቕን መስፋሕፍሕን ስርዓት ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይከውን ነገር’ዩ።” እቲ ዘረባ ኣመና ግሁድ’ዩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢድ ኤርትራ ዝጠዊ፡ ክሳዳ’ውን ዘድንን ሓይሊ የለን። ነዚ ዝፈለጡ ለባማት ኢትዮጵያውያን “እንዳ ዕኮት ኣይትተንኪ፡ ዳሕራይ ከይትበኪ” ይብሉ ኣለዉ። እዋኑ፡ ኤርትራዊ ዝተብዓሉ እምበር ዝሽበረሉ እዋን ኣይኮነን’ሞ ኣይንሸበር።