ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን!

እዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ’ቲ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፡ መጋቢት 2025 ዘቕረብዎ ነዊሕ ጽሑፍ፡ ተቖንጪሉ ተተርጒሙ ዝቐርብ ዘሎ’ዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ድምጺ፡ ምእንቲ ከይተባባዕ ብደሮናን ዒግታን ኲናት ክኽወል እንድዩ ዝድለ፡ የግዳስ ሎሚ ከም ቀደም ኣይኮነን፡ እቲ ርትዓዊ ድምጽታት ይበዝሕ እቲ ንቅሓት ይብርኽ’ዩ ዘሎ። ሰናይ ንባብ

ኣብ ኤርትራ ስለዝነበርኩ፡ ሻዕብያ ንውድባት ተቓውሞ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ኣራኺቡ፡ ብዛዕባ ዕጫ ኢትዮጵያ ብሓባር ክመኻኸሩ፡ ብሓባር ክቃለሱ ዝክኣሎ ጻዕሪ ከምዝገበረ እፈልጥ’የ። ስርዓት ህወሓት/ኢህወደግ ምቕያር ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ውድቀት ኢህወደግ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ከይትወድቕ፡ ንሓድነት ውድባት ተቓውሞ ከም ጉዳይ ገይሩ ሻዕብያ ዝገበሮ ጻዕሪ እንዝክሮ ኢዩ።

ኤርትራ ካብ ምድኻምን ምብትታንን ኢትዮጵያ፡ መኽሰብ ኣሎ ኢላ እትሓስብ ሃገር ኣምሲልካ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳ፡ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊጽልና’ዩ። ቅድሚኡ’ውን ህወሓት ንዘዳለዎ ኣብ ዘርኢ ዝተመስረተ ሕገ-መንግስቲ፡ ንኢትዮጵያ ይኹን ንዞባና ብሓፈሻ ንዓቢ ሽግር ከቃልዓ’ዩ ዝብል ምኽሪ ብምሃብ ንኽተርፍ ዝመጎተ ሻዕቢያ ምዃኑ ዝተፈልጠ’ዩ። መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሚእቲ ዓመት ዘይትውድኦ ዕዮ-ገዛ ሂብናያ ዝብል እምነት ኣለዎም እናተባህለ ዝግበር ፕሮፖጋንዳ ገዲፍካ፡ ብተግባራቶም ክምዘኑ ዘለዎም ኢዩ። ህወሓት ምኽሪ ሻዕብያ ሰሚዑ ነቲ ኣብ ዓሌት/ዘርኢ ዝተመስረተ ሕገ-መንግስቲ እንተዘዋድቖ፡ ብናተይ እምነት ልክዕ ከም ህዝቢ ኣምሓራ፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ምረብሐ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኲናት ስርዓት ኣብይን ወያነን፡ ዝተጠቕዐ ሰራዊት ጥራይ ዘይኮነ፡ ህወሓት ዝወራረድ ሕሳብ ኣለኒ ኢሉ ኣብ ዝፈከረሉ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ነብሱ ክከላኸል፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝረኸቦ ደገፍ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ዝርስዖ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኣምሓራ፡ ንመጻኢ’ውን ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ቃልሲ ንህላወኡ፡ ብዓወት ክዛዘም፡ ካብ ኤርትራ ንላዕሊ ፈታዊ ኣይህልዎን’ዩ። ስርዓት ኣብይ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሓድሕዱ ከዋድኦ፡ ሓደ ህዝቢ ኣንጻር’ቲ ሓደ ህዝቢ ከረሳስኖ እንተፈተነ፡ ነቲ ሓደጋ ንምውጋድ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ጎድኑ ዝስለፉ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ኢዮም።

ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፈጥሮ ርክብን ምሕዝነትን፡ ኣንጻር ግፍዓዊ ስርዓት ኣብይ ንኽቃለስ ዘድልዮ ደገፍ ክረክብ፡ ምስ ዝግበር ዕዮ ጥራይ ኣተኣሳሲርካ ክረአ ዘለዎ ኣይኮነን። ክልቲኡ ህዝብታት ዘለዎ ዝተቐራረበ፡ ፖለቲካዊ ባህላዊ ክብርታት፡ ተመሳሳሊ ታሪኽን ትውፊትን ተረዲእና፡ ክንዮ ግዝያዊ ሽግር ህዝቢ ኣምሓራ ዝሰግር፡ ኣብ ሓቢርካ ህላዌኻ ምኽባር፡ ብሓባር ኣንጻር ግዳማዊ ምትእትታው ምምካት፡ ኣብ ርእሰ ምትእምማን ዝተመስረተ፡ ካብ ተመጽዋትነት ነጻ ዝኾነ ናይ ልምዓት ስትራተጂ ብምኽታል ንዘሎ ኣድላዪት፡ ድልዱል ሓባራዊ እምነት ተረዲእካ ዝእቶ ኪዳን’ዩ።

እዚ ኣዝዩ ወሳኒ ግንዛበ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍጸም ዝኾነ መጥቃዕቲ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝውሰድ መጥቃዕትን ናይ ህላወ ሓደጋን ዝቖጽሮ፡ ኣብ ጎድኒ ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ኣንጻር ኤርትራ ንዝኾኑ ሓይልታት ክዋጋኦም ምዃኑ፡ እዝኒ ንዘለዎ ኩሉ ብግልጺ እናተዛረብካ ዝህነጽ ምሕዝነት’ዩ።

ሎሚ ኣብይ ኣሕመድ ብኢማራትን ብተዘዋዋሪ ናይ ኣሜሪካ ተለኣኻኺነትን፡ ንኤርትራ ከም ሶማልን ሱዳንን ክሕምስ ፈጻሚ ስራሕ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ኢማራት ነዚ ዞባ ንምቁጽጻር ብወገን ሶማሊላንድ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ፈቲኖም እንናፈሸሎም ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ኤርትራ ፈቲኖም ዝበርዓኖም’ዩ። ኣብ ሶማልን ሱዳንን ፈተነኦም ንኽፈሽል፡ ኢድ ኤርትራ ኣሎ ዝብል እምነት ከኣ ኣለዎም። ኢማራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓዝዎ ቂምን ዝተኾለፎም ድሌት ምስፍሕፋሕ ከረጋገጹን፡ ኣብይ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽበላ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ምድንጋር ክእውጅ፡ የተባብዕዎ ከም ዘለዎ ቅሉዕ’ዩ። ኣብይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኲናት ከካይድ ወተሃደራዊ ይኹን ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ የብሉን? ደገፍ ህዝቢ ኣለዎ ድዩ የብሉን? ዝብል ሕቶ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብገንዘብን ቀረብ ተተኮስትን ኢማራት ተደፋፊኡ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክእውጅ ኢዩ ዝብሎ ዘሎ ኲናት እንተ ውዒልዎ፡ ህዝቢ ኣምሓራ፡ ነዚ ኣብ ዞባና ሓውን ደጋፊናን ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ መዓልቲ ጸገም መድሕን ህዝቢ ኣምሓራ ምዃኑ ብግብሪ ዘረጋግጸልና፡ ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ፡ ኣብ ጎድኑ ደው ኢሉ፡ እንተላይ ናይ ገዛእ ርእሱ (ህዝቢ ኣምሓራ) ህላዊኣዊ ሓደጋ ከወግድ ክወስዶ ዘለዎ መርገጺ ኢዩ።

ህዝቢ ኣምሓራ ምጽናት ዘርኢ ተኣዊጅዎ፡ ቀትርን ለይትን ብድሮን እናተጨፍጨፈ፡ ጸሓይ ትዓርቦ ንዘላ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ፡ ልኡኽ ኢማራት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝኸፍቶ ዘይፍትሓዊ ኲናት ከም ዘይድግፎ ዝተፈልጠ ኢዩ። ህዝቢ ኣምሓራ ጥራይ ዘይኮነ ግፍዒ ስርዓት ብልጽግና ዝመረሮ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ እውን ከምዘይድግፎ ፍሉጥ’ዩ።