ክንዮ ደሮና ኵናት
መውጽኢ ኣፍ ኣቢዪን መናፍሑን፣ ‘ኵናት’ ኮይኑ ኣሎ። ‘ጸላኢትና ዝኾነት ኤርትራ ኵናት ኣዊጃትልና ኣላ። ኵናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣይተርፍን’ዩ፣ ኣይክድንጕን ኢዩ’- ሓደ ዝምንጩ ፣ ሓንሳብ ብተሾመ ሙላቱ፣ ሓንሳብ ብኣብርሃም በላይ፣ ሓንሳብ ብጻድቃን፣ ሓንሳብ ብመንዶ በልዎ፣ ጸኒሑ ኣጸቢቕና ብንፈልጦም ጸረ-ኤርትራ ወጻእተኛታት ዝንፋሕ ታቱላ።

ኢትዮጵያ ግን ድሮ’ኳ ኣብ ኵናት’ያ ዘላ፣ ክትዕወተሉ ዘይከኣለት ኵናት ኣንጻር ኣምሓራ፣ ኣንጻር ኦሮሞ፣ ኣንጻር ካልኦት ህዝብታታ። እዚ ሓቂ’ዚ ክድበ’ምበር፣ ክዝከር፣ ክዝረበሉ ኣይደልዩን ኢዮም። እቲ መንጸሮር ኮይንዎም ዘሎ ኩነታት ትግራይን ኣመታቱን’ውን ከምኡ። እታ ሃገር ሕገ’ልቦ፣ ጸጥታ’ልቦ ኮይና ከምዘላ፣ ቁጠባኣ ከምዝማህመነ፣ ህዝባ ምሒር ከፊእዎ ከምዘሎ፣ እቲ ስርዓት ከምዝተፈንፈነ ክርሳዕ’ዮም ዝደልዩ።
ነዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ጫፍ ህልም ዝበለ ገደል ኣገምጊምዋ ዘሎ ኵለንትናዊ ቅልውላው ክፈትሕዎ ስለዘይሕልኑን ስለዘይክእሉን፣ ንዕኡ ገዲፎም ሓድሽ ድራማ ብምፍጣር ንቕድሚት ክሃድሙ’ዮም ላሕ ዝብሉ ዘለዉ።
ቅድሚ’ዚ ናይ ሕጂ ደሮና ኵናት ንህዝቢ መዘንግዒ፣ መተዓሻሸዊ ኢሎም ዝሓሰብዎ ብዙሕ ካልእ ተዋስኦታት ሰሪሖም ኢዮም- ዋንነት ማይን ባሕርን፣ ምፍራይ ነዳዲ፣ ተኣምራታዊ ዕብየት ቁጠባ፣ ምዕቡል ወተሃደራዊ ዓቕሚ፣ ክንደይ’ሞ ክንብሎ። ኣይሰርሐን። ህዝቢ ኣይተሃመለን። መሊሶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፈዅሶም።
ስገጥ ግን ኣይበሉን። ‘ታህዲድ ፍርቂ ናይቲ ስራሕ’ዩ’ ኢሎም ዝሰብኩ ኣለዉ እንድዮም፤ እዞም ጉዳማት ግን ዓብሎኽታ ታህዲድ፣ ክንዲ ትሽዓተ ዕስሪት ናይቲ ወፍሪ ምዃኑ፣ ኣፎም መሊኦን ክጀሃሩሉን ኣስተምህሮ ክህቡሉን ጸኒሖም ኢዮም። ነዚ ዋዕዋዕታ መመኽነይታ ጌሮም ኣብ ጎኖም ተሰሊፎም ጣልቃ ዝኣትዉ ግዳማውያን ንምርካብ ይጠቕመና’ዩ ኢሎም’ውን ይሓስቡ ኢዮም።
ምድንጋርን ምምሳጥን ( ‘ኮንፍዩዝ ኤንድ ኮንቪንስ’) ቀንዲ ስትራተጂኦም ይኹን’ምበር፣ ኵናት ኣይሓልሙን’ዮም፣ ህርፋን ኣየለዝዮምን ማለት ኣይኮነን። ዝኾነ መመኽነይታ’ኳ እንተዘይብሎም፣ መሰጋገሪ ኣእጋር’ውን እንተሰኣኑ፣ ብሰንኪ ናብ ቅብጸት ዝገማገም ምሒር ጭንቀቶም፣ ኣብ ዘይመንጠቢቶም ክነጥቡ ከምዝኽእሉ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።
ክንዮ ደሮናን ዒግታን ንርአ። ንመክት ድማ- ብብልሓት፣ ብቘራጽነት፣ ብብቕዓት።