በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2016 ዓ.ም. (2024 ፈ.) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተዋህበ ቃለ ቡራኬ።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፡ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡ አሠሮ ለሰይጣን፡ አግዓዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ ይኩን ፍሥሐ ወሰላም።
ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትናን ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ኵልኹም ኤርትራውያን፣ ጾምና ብሰላም ኣፈጺሙ እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ጐይታናንን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደኃነ ሰላም ኣብጽሓኩም እናበልና መንፈሳዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም።
“ወአርአየ ከመ ወልደ እግዚአብሔር በኃይሉ ወበመንፈሱ ቅዱስ ወከመ ተንሥአ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚእነ /ብኃይሉን ብቅዱስ መንፈሱን ካብ ሙታን ብምትንሥኡ ወልደ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ዘርኣየ ንሱ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 1፥4 ከምዝብል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መግነዝ ፍትሑለይ መቃብር ክፈቱለይ ከይበለ ሥጋኡን ነፍሱን ኣዋሒዱ ብሣልሳይ መዓልቲ ተንሢኡ ነቶም ን5500 ዘመን ኣብ መግዛእቲ ዲያብሎስ፡ ኣንሥእ ኃይለከ ወነዓ ኣድኅነነ/መዝ. 80፥2 “አምላኪየ አምላኪየ ነጽረኒ ወለምንት ኃደገኒ/ኣምላኸይ ኣምላኸይ ጠምተኒ ንምንታይ ኃደግካኒ” መዝ. 22፤1 ብምባል ዝልምኑ ዝነበሩ ኣዳምን ደቁን “ሰላም ንኵልኹም ይኩን” ብምባል ሰላምን ናጽነትን ዝሃበሉ ዕለት እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብገዛእ ሥልጣኑ፡ ሥልጣን አብን፡ ሥልጣን መንፈስ ቅዱስን መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ተንሥአ፡ ጐይታ ኣብ ከርሢ መቃብር ሠለስተ ለይትን መዓልትን ብምግባር ሙስና መቃብር ኣጥፍኣልና፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ድማ “ተንሥአ እግዚእነ ከመ ይምሃረነ ተንሥኦ ሥጋቲነ” ከም ዝብል ንኣና ትንሣኤ ከም ዘለና ንኽምህረና ተንሥአ።
ከምቲ ኣምላኽናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቅርና ክብል ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ ብሞቱ ትንሣኤን ሕይወትን ዝሃበና፣ ንሕና ውን በዚ በዓልና መንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ኽንረክብ ብፍቕርን ምክብባርን ከነሕልፎ ይግባእ።
ስለዚ ክርስቶስ ካብ ምውታን ከም ዝተንሥአ፡ ንሕና ድማ ካብ ዓራት ትህኪት ክነቅሕ፡ ካብ ዓራት ኃጢኣት ብንስሓ፡ ብምትንሣእ ንዝተሸገሩ ብምርዳእ፡ ንዝሓመሙ ምሕረት፡ ንዝገሹ ብሰላም ክመልሶም ብምጽላይ፡ ነቶም ዘይብሎም ካብታ ዘላትና ዓዓቅምና ብምሕጋዝ ከነኅልፎ ንላቦ።
ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ)
ዓቃቤ መንበር